ሓቅታት – Habeshaa Entertainment

ኣገረምቲ ሓቅታት
– ናብ ምድሪ ናብ ዝቐረበት ኮኾብ ንምብጻሕ (ብዘመናዊ መሳርሒ ተሓጊዝካ) ልዕሊ 70,000 ዓመታት የድሊ።

– ናይ ዓለምና ዝበለጸ ፈላስፋ ምዃኑ ዝንገረሉ ኣልበርት ኣንስታይን ምሉእ ሂወቱ ካልሲ ወድዩ ኣይፈልጥን።

– ስገን ክብደት ናይ ኣዒንታ ካብ ክብደት ናይ ኣእምሮኣ ይበልጽ።

– ሓደ ሰብ ብማእከላይ ገምጋም ኣብ ምሉእ ሂወቱ 1,460 ግዜ ይሓልም።

– ኣብ ሃገረ ካናዳ ኣብ መላእ ሰሙን እታ ዝበለጸት ናይ ስራሕ መዓልቲ ብምባል እትፍለጥ መዓልቲ ሰሉስ’ያ።

– ግራሃም በል ተሌፎን ድሕሪ ምምሃዙ፣ ኣብ ቀዳማይ ወርሑ ዝሸጦ ቁጽሪ ተሌፎን ሽዱሽተ ጥራሕ’ዩ።

– ዓኼሎት (ብጸጋም ዝጽሕፉ) ሰባት ካብ ብየማኖም ዝጽሕፎ ሰባት ማእከላይ ዕምሪ ዕድመኦም ብሸውዓተ ዓመታት ዝወሓደ’ዩ።

– ኣብ መዝገበ ቃላት እንግሊዝኛ እታ ዝበዝሐ ትርጉም ዘለዎ ቃል ‘set’ እያ።

– ብገምጋም ኣብ መዓልቲ ጸጉርና ናይ 3 ሚሊሜተር ዕቤት የርኢ።

– ኣብ ነፍስወከፍ ህርመት ልቢ ርብዒ ካብ ስርሓት ልቢ ብመጻብቦ ኲሊትና ይሓልፍ

– ኣብ ቆርበትና ዝርከቡ ዋህዮታት መብዛሕትኡ እዋን ኣብ ግዜ ለይቲ ብብዝሒ ይፋረዩ።

– ሓደ እኹል ወድሰብ ብዘይ መግቢ ክጸንሓሉ ዝኽእል እዋናት ን18 መዓልታት’ዩ።

– ሓደ እኹል ወድሰብ ዓመታዊ ዘህልኾ / ዝበልዖ/ መግቢ ልዕሊ 5 ኪሎ ግራም ይኸውን።

ሞናሊዛ
ንጽባቐ ጓል ንምድናቕ ‘ሞናሊዛ’ ክበሃል ንሰምዕ ኢና። ሞናሊዛ ግን ጽብቕቲ ጓል ዘይኮነትስ ብዓይኒ ሃየስትን ኣፍቀርትን ቅብኣ ‘ብልጽቲ ቅብኣ’ ዝተሰመየት እያ። እዛ ኣብ ከተማ ፓሪስ ኣብ ዝርከብ ቤተ መዘክር እትርከብ ቅብኣ ሞናሊዛ ብኢጣልያዊ ውሩይ ቀብኣይ ሊዮናርዶ ዳቪንቺ ዝተሰኣለት’ያ። ብመንግስቲ ፈረንሳ እትውንን ቅብኣ ሞናሊዛ ንኹሉ ተዓዛቢኣ ዘደንቕ እታ ‘ሚስጥራዊ ፍሽኽታ’ ዝመለለዪኣ ሰበይቲ’ያ። ሊዮናርዶ ዳቪንቺ ነዛ ስእሊ ክስእላ እንከሎ ብዙሕ ተገዳስነት ከምዘይገበረላን ብዙሕ ግምት ከምዘይሃባን’ዩ ዝንገር። እንተኾነ ግን ኣብዚ እዋን’ዚ እዛ ቅብኣ ኣብ ዕዳጋ ወሪዳ እንተትሽየጥ ኣብ ዓለም እታ ዝኸበረት ቅብኣ ጥራይ ዘይኮነስ እታ ዝኸበረት ስነጥበባዊ ስረሓት ክትከውን ከምእትኽእል ይግለጽ።

ርህራሀ ሓርማዝ
ሓራምዝ ብተፈጥሮኦም ርህሩሃት’ዮም። መጻምድቶም ዝመትዎም ሓራምዝ ንባዕሎም ብክቱር ጓሂ ከምዝሞቱ’ዩ ዝፍለጥ። ምብላዕ ምስታይ ተሓሲሞም ገጾም ብንብዓት ተሓጺቡ፡ ኣብ መሬት ተስጢሖም ብጥሜት እናተሳሕጉ’ዮም ዝሞቱ። እቲ ዝገርም ኣብ ግዜ ሓዘኖም ዝኾነ ይኹን ካብ ሰብ ዝመጽኦም ሓገዝ ኣይቅበልዎን’ዮም።

ሕልሚ እንታይ’ዩ?
ወዲ ሰብ ክበጽሖ ዘይከኣለ፡ ናይ ሓንጎል ስራሕ ብዙሕ ክህሉ ከም ዝኽእል ምጥርጣር ዘየድልዮ ሓቂ’ዩ። መዓልታዊ ብተመራመርቲ ዝኽሰት ዘሎ ሓደስቲ ምህዞታት ድማ ናይዚ ምስክር’ዩ። ወዲ ሰብ ለይቲ ምስ ደቀሰ ሕልሚ ይሓልም’ዩ። ንሕልሚ፡ ቀትሪ እትርእዮ ወይ ኣብ ሕሉፍ ግዜ ዝረኣኻዮ’ዩ ሕልሚ ተመሲሉ ዝመጽኣካ ዝብሉ ብዙሓት እዮም። ተመራመርቲ ናይዚ ዓዉዲኸ? ኣብ ከባቢ 1820 ዝነበረ ፈረንሳዊ ተመራማሪ፡ ሕልሚ ማርኮይስ ዲ ሀርቨይ፡ ኣብ 1653 ወዲ ሰብ ብዛዕባ ሕልሚ ይዛረብ ከም ዝነበረ ይሕብር። ማርኩይስ ዝሓልሞ ዝነበረ ካብ ወዲ 13 ዓመት እንከሎ ይምዝግቦ ከም ዝነበረ ኣብ ጽሑፉ ጠቒስዎ ኣሎ። ንሱ ኣብ 1867 “ሕልምን ትሕዝትኡን ብግብራዊ ትዕዝብቲ” ዝብል መጽሓፍ ብምድላዉ ኣብ ጉዳይ ሕልሚ ሓሳብ ኣቕሪቡ ነይሩ። ኣብ 1947 ዝነበረ ተመራማሪ ሕልሚ ስተፈንሰን ላበርግ፡ ጽዑቕ ምርምር ድሕሪ ምክያዱ ነቲ ማርኮስ ዝጀመሮ መጽናዕቲ ከም ዘለዎ ብምድጋፍ እቲ ምርምር ክቕጽል ሓሳብ ኣቕሪቡ። ኩሎም እዞም ዝተጠቕሱ ተመራመርቲ ይኹኑ ካልኦት ዘይተጠቕሱ ዘካይድዎ ምርምር፡ ኣብ ሕክምና ንኽገልገሉሉ’ምበር ብሕልሚ ብዝኽሰት ተርእዮ ንምትሩጓም ኣይነበረን።

ቅድሚ ኣሽሓት ዓመታት ግብጻውያን ግሪኻውያን ብዛዕባ ሕልሚን ትርጉሙን ብቐጻሊ ይመራመሩ ምንባሮም ኣብ መጻሕፍቲ ተጠቒሱ ኣሎ። ኤርነስት ሆፍማን፡ ኣብ ኣሜሪካ ሓላፊ ሆስፒታል፡ ሕልሚ ቁጥዓትን ጭኑቓትን ንኸይንኸውን ጠቓሚ ባእታ ከም ዘመሓላልፍ ይሕብር። ይኹን’ምበር ካብ ርእይቶ ሓሊፉ ዘቕረቦ ጽሑፍ የለን። ሲግመንድ ፍረይድ፡ ብወገኑ ድሕሪ ጽዑቕ ምርምር ኩሉ ብዛዕባ ሕልሚ ዝግበር ምርምር ዘዕግብ ዉጺኢት ከም ዘይሃበ ኣብ ጽሑፋቱ ገምጊሙ። ብዛዕባ ሕልሚን ትርጉሙን ዝመራመሩ ሊቃዉንቲ ብዙሓት ይኹኑ’ምበር ከምዚ’ዩ ኢሉ ክትንትን ዝኽእል ተመራማሪ ግና ክሳብ መበል 21 ክፍለ ዘመን ኣይተረኽበን።

ፍርቂ ካብ ሃብቲ ዓለምና ኣብ ኢድ 85 ቢልዮነራት?
ብደረጃ ዓለም “ዝሃብተሙ ሰባት” ተባሂሎም ኣብ ቅድሚት ዝስርዑ 85 ቢልዮነራት፡ ኣኻዕቢተሞ ዘለዉ ሃብቲ ማዕረ’ቲ ፍርቂ ካብ ህዝቢ ዓለምና (3.5 ቢልዮን ህዝቢ) ዝውንኖ ድምር ሃብቲ ከምዝኾነ ብኦክስፎም ዝተዘርግሐ ኣብ  2014 ዝተኻየደ  መጽናዕታዊ ጸብጻብ ኣመልኪቱ። እቲ ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ምስ ምኽፋት ዋዕላ ቁጠባ ዓለም ኣብ ዳቮስ – ስዊዘርላንድ ዝተዘርግሐ ጸብጻብ ከምዘነጽሮ፡ እቶም ናይ ዓለምና ዝሃብተሙ 1% ሰባት ብጠቕላላ ኣስታት 110 ትሪልዮን ዶላር ሃብቲ ገቢቶም ኣለዉ። እዚ ከኣ ካብ ድምር መጠን ሃብቲ ናይ’ቶም ዝተሓተ ኣታዊታት ኣለዎም ዝባሃሉ 3.5 ቢልዮን ህዝቢ ዓለምና ብ65 ዕጽፊ ዝዛየደ ከምዝኾነ የረድእ። እቶም ኣብ ቅድሚት ዘለዉ 85 ቢልዮነራት ብድምር 1.7 ትሪልዮን ዶላር ሃብቲ ከምዝዉንኑ ዝጠቐሰ እቲ ጸብጻብ፡ እዚ መጠን’ዚ ምስ ድምር መጠን ሃብቲ ናይ ፍርቂ ህዝቢ ዓለም ማዕረ ምዃኑ ኣስሚርሉ።

ኣብ ኣመሪካ ጥራይ፡ እቶም ካብ 1% ዘይሓልፉ ዝሃብተሙ ሰባት ን95% ሃብቲ’ታ ሃገር ክብሕትዎ እንከለዉ፡ ብኣንጻሩ ድማ እቶም ኣብ ታሕተዋይ ደረጃ ዝርከቡ ዝተረፉ 90% ነድዮም ናብ መስመር ድኽነት ገጾም ከምርሑ ተገዲዶም ምህላዎም’ውን ኦክስፋም ኣብ ጸብጻቡ ጠቒሱ ኣሎ። ኦክስፋም፡ ኣብ ሽዱሽተ ሃገራት ማለት ኣብ ኣመሪካ፡ ብሪጣንያ፡ እስጳኛ፡ ብራዚል፡ ህንዲን ደቡብ ኣፍሪቃን ኣብ ዘካየዶ መጽናዕታዊ ዳህሳሳት ሓደ ነገር’ዩ ክርዳእ ክኢሉ። ንሱ ድማ፡ መንግስታት ዘርቅቕዎ ፖሊሲታትን ሕጊታትን ቁጠባ ብቐጥታን ብተዘዋዋሪን ንረብሓ ናይ’ቶም ዝወሓዱን ዝሃብተሙን ሰባት ዘቐድም ኮይኑ ከምዝጸንሕ’ዮም ዝበዝሑ ዜጋታት ናይ’ዘን ሃገራት ዝኣምኑ። እዚ ከኣ ቀንዲ ጠንቂ ናይ’ቲ ኣብ መንጎ ድኻታትን ሃብታማትን ካብ ግዜ ናብ ግዜ እናተመጠጠ ዝኸይድ ዘሎ ጋግ ምዃኑ የረድኡ።

ብደረጃ ዓለም፡ ሸውዓተ ካብ 10 ሰባት ኣብተን ፍጹም ዘይምዕሩይ ኣታዊታት ዝራኣየለን ሃገራት ከምዝነብሩ ዝሓበረ ኦክስፋም፡ ኣብ ውሽጢ’ዚ ዝሓለፈ 30 ዓመታት ብደረጃ ዓለም ኣብ መንጎ ዜጋታት ተራእዩ ዘይፈልጥ ገፊሕ ናይ ኣታዊታት ጋግ ተፈጢሩ ከምዘሎ የመልክት። ፈደራላዊ ማዕከን ገንዘብ ኣመሪካ ዝሰርሓሉ ዘሎ ኣማኢት ቢልዮናት ዶላር ዝዋጋኡ ቦንድ ናይ ምዕዳግ መደባት’ውን ነቲ ጋግ ኣብ ምርሓብ ወሳኒ ተራ ይጻወት ከምዘሎ’ዩ ዝጠቅስ። “እቲ ዝያዳ ኣተሓሳሳቢ ኮይኑ ዘሎ ጉዳይ ግን” ይብል ኦክስፋም፡ “ጸጋታት ዓለም እናተዘቖቐ ናብ ኢድ ውሑዳት ሰባት ክኣቱ እንከሎ ምስኡ ድማ ፖለቲካዉን ቁጠባዉን ስርዓታት ዓለምና እናተባሕጎገ ይኸይድ ምህላዉ’ዩ።” ብደረጃ ዓለም ኣጋጢሙ ዘሎ ማላዊ ቅልውላው’ውን ነቲ ጋግ መሊሱ የጋድዶ ምህላዉ ዝሓበረ ኦክስፋም፡ ኣብ ከተማ ዳቮስ ተጋቢኦም ዘለዉ ወከልቲ ሃገራት ዓለም ነዚ ጉዳይ’ዚ ዝያዳ ቆላሕታ ሂቦም ክዝትይሉ ተማሕጺኑ።

ፍረዱ; እዚ ሰብ ዕድለኛ ድዩ ወይስ ኣይኮነን ?
ሓደ እዋን፡ ገለ ሰባት መኪና ሃሪማትካ ብትሕቲ ጎማ ኣቲኻ ምስ ወጻኻ፡ ‘’ናይ ብሓቂ ዕድለኛ ኢኻ’’ ክብሉኻ እንከለዉ ዘየሕርቕ ኣይኮነን። ብውሽጥኻ ከኣ ‘’ዕድለኛ እንተዝኸውን’ዶ ካብዚ ኩሉ ሰብ መሪጻ ንዓይ ብትሕቲ ጎማኣ ኣእትያተኒ።’’ የብል ይኸውን። እንኾነ ሰባት ከከም ሓሳባቶምን ርድኢቶምን ነቲ ኩነት ክገልጽዎ ይኽእሉ ይኾኑ። ገሊኦም ካብቲ ሓደጋ ብሂወት ብምትራፍካ ጥራይ ከም ዕድለኛ ከገልጹኻ እንከለዉ፡ ገሊኦም በቲ ዘጋጠመካ ሓደጋ ጥራይ ከም ዘይዕድለኛ ክቖጽሩኻ ይኽእሉ።

እስከ ናይዚ ሰብ ውዕለት’ከ ዕድለኛዶ ዘይዕድለኛ የስምዮ።

ሮይ ሱሊቫን ይብሃል። ሮይ ኣብ ውሽጢ ሳላሳ ዓመት ሸውዓተ ግዜ ብተደጋጋሚ ብበርቂ ክህረም ክኢሉ። መጀመርታ ኣብ 1942 ኣብ ፌርማታ ደው ኢሉ ኣብ ዝነበረ እዋን፡ ብበርቂ ኣብ ኣእጋሩ ብምህራም፡ ነቲ ብበርቂ ናይ ምህራም ቀጻልነቱ ኣሃዱ ኢሉ’ዩ ፈሊምዎ። እንተኾነ በቲ ሓደጋ በጀካ ናይ ዓባይ ዓባይትኡ ጽፍሪ፡ ካልእ ዝጋነን ሓደጋ ከይወረዶ ብሰላም ተገላገለ። ንመበል ካልኣይ ግዜ ኣብ 1969 ድሕሪ ዕስራን ሸውዓተን ዓመት፡ መኪንኡ ሒዙ እናተንቀሳቐሰ እንከሎ፡ ዘጋጠሞ ናይ በርቂ ምህራም፡ እዚ ውን ከምቲ ቀዳማይ ብዘይካ ንግዚኡ ኣብ ዕውለት ምእታው ዝጋነነ ሓደጋ ከይስዓበሉ ተረፈ። ንመበል ሳልሳይ ግዜ ድሕሪ ሓደ ዓመት ናይቲ ካልኣይ ግዜ ዘጋጠሞ ሓደጋ ምስ ገጠሞ’ውን ኣብ መንኮቡ ጥራይ ቁሩብ ቃጸሎ ብምግጣም ክሓልፈሉ ከኣለ። ጸኒሑ ውን ንመበል ራብዓይ ግዚኡ ኣብ 1972 ንገለ ክፋል ናይ ጽጉሪ ርእሱ ብምንዳድ ጥራይ ነሓፎ። ንመበል ሓምሻይ ግዜ፡ ሕጂ’ውን እቲ ዕድለኛ ወይ መከረኛ ሮይ፡ ብምንዳድ ጸጉሪ ርእሲ ጥራይ ሓለፈሉ። ቀጺሉ’ውን ብዙሕ ከይጸንሐ ንመበል ሻድሻይ ግዚኡ ኣብ 1974 ብሰንኪ በርቂ፡ ቅልል ዝበለ ናይ ብርኪ ሓደጋ ኣጋጠሞ። ንመወዳእታ ግዜ ኣብ 1977 ዘጋጠመ ኮይኑ፡ ኣብ ከባቢ ኣፍ ልቡን ከብዱን ክነድድ ከኣለ። ስለዚ ነዚ ሰብ ደጋጊሙ ካብ ከቢድ ሓደጋ ክተርፍ ብምኽኣሉ ዕድለኛ ምሰመናዮዶ ወይስ በቲ ተደጋጋሚ ፈተነ ከም ዘይዕድለኛ ምቖጸርናዮ?

ሳዕቤናት ልዕሊ ዓቐን ምስታይ
ዝኾነ ነገር ልዕሊ ዓቐን እንተኾይኑ ጸገም ከም ዘለዎ ንማንም ስውር ኣይኮነን። ከምኡ ስለ ዝኾነ’ዩ ኣበዋት መዓር እንተበዚሑ ይመርር’ዩ ዝብሉ። እስከ ልዕሊ ዓቐን ዘስዕባ ጸገማት ንርአ:

ልዕሊ ዓቐን ማይ

ጀኒፈር ሊ ዝተባህለት ሰብ፡ “Hold Your Wee for a Wii.” ኣብ ዝብል ናይ ሬድዮ ውድድር ክትዕወት ብምሕሳብ ልዕሊ ዓቐን ማይ ብምስታያ ሂወታ ስኢና። እዛ ኣደ ክልተ ቈልዑት ሰበይቲ “ሽንቲ ከይሸነ ንነዊሕ ዝጸንሐ ይዕወት” ኣብ ዝብል ውድድር ክትዕወት ብምባል’ያ ልዕሊ ዓቐን ማይ ሰትያ። እዚ ብ hyper-hydration ዝፍለጥ ስኽራን ማይ፡ ኣብ ሓንጎል ሓደገኛ ነውጺ ብምፍጣር’ዩ ክሳዕ ሞት ዘብጽሕ።

ሓቅታት – ካልኣይ ክፋል
ሉል ብኣቸቶ ከምዝመክኽ

ኣብ ዓለም እቲ ዝዓበየ መሐንበሲ ጋብላ ኣብ ሃገረ  በልጂዩም ዝርከብ ኮይኑ፡ 33 ሜትሮ ዕምቆት ይውንን

ቋንቋ ሃዋይ ብ12ፊደላት ዝቘመ’ዩ

ኣብ 1949 ኣብ ጃፓን ዝተሰርሐት ኤለክትሮኒካዊት ማኪና ሓንሳብ ቻርጅ ምስ መልአት፡ ን200 ኪሎ ሜተር ብዘይ ዝኾነ ጸገም ክትጐዓዝ ትኽእል ምንባራ

እቲ ዝነውሐ ናይ ማእሰርቲ ብይን 384,912 ዓመታት ኮይኑ፡ ንወዲ 22 ዓመት መንእሰይ ዝተፈርደ’ዩ

እቲ መንእሰይ ነዚ ዝተፈረደሉ ምኽንያት ን42,767 ደብዳበታት ክስውሮ ብምኽኣሉ፡ ገበነኛ ኮይኑ ስለዝተረኽበ እዩ