እንስሳታት – Habeshaa Entertainment

ርህራሀ ሓርማዝ
ሓራምዝ ብተፈጥሮኦም ርህሩሃት’ዮም። መጻምድቶም ዝመትዎም ሓራምዝ ንባዕሎም ብክቱር ጓሂ ከምዝሞቱ’ዩ ዝፍለጥ። ምብላዕ ምስታይ ተሓሲሞም ገጾም ብንብዓት ተሓጺቡ፡ ኣብ መሬት ተስጢሖም ብጥሜት እናተሳሕጉ’ዮም ዝሞቱ። እቲ ዝገርም ኣብ ግዜ ሓዘኖም ዝኾነ ይኹን ካብ ሰብ ዝመጽኦም ሓገዝ ኣይቅበልዎን’ዮም።

ኣዕዋፍ ስለምንታይ ብቕርጺ ቪ ተሰሪዐን ይበራ?
ብሪጣንያውያን ተመራመርቲ ንዘመናት ሕንቅልሕንቅሊተይ ኰይኑ ዝጸንሐ ሓደ ግድል ከምዝፈትሑ ይገልጹ ኣለዉ። እቲ ግድል፡ “ኣዕዋፍ ስለምንታ’የን ብቕርጺ ቪ (V) ተሰሪዐን ዝበራ” ዝብል ኰይኑ፡ መልሱ ግን ክሳብ ሕጂ ከይተፈትሐ ምጽንሑ’ዩ ዝግለጽ። እቶም ተመራመርቲ ዘመናዊ ቴክኖሎጂ ተጠቒሞም ብዘካየድዎ መጽናዕቲ፡ ኣዕዋፍ ብቕርጺ ቪ ተሰሪዐን ዝጉዓዛሉ ምኽንያት፡ ዝወሓደ ጸዓት ወይ ሓይሊ ንኸህልኻ ዝዓለመ ከምዝዀነ ዝገልጽ ውጽኢት ከምዝረኸቡ ሓቢሮም።

ዝበዝሑ መራሕቲ መካይን ደድሕሪ ዓባይ ናይ ጽዕነት መኪና ምጉዓዝ ጸዓት ከምዝዕቅብ’ዮም ዝገልጹ። እዚ ከኣ እታ ናይ ጽዕነት መኪና ኣብ ከባቢኣ ብዙሕ ኣየር ትደፍእ’ሞ፡ ብድሕሪኣ ከፊላዊ ባዶሽ (ቫኪዩም) ብምፍጣር፡ ነታ እትስዕባ ዘላ መኪና ውሑድ ተቓዋሚ (ኣንጻራዊ) ሓይሊ ከምዝገጥማ ትገብራ። በዚ ከኣ እታ መኪና ውሑድ ጸዓት እናህለኸት ትጉዓዝ ማለት’ዩ። ተቐዳደመቲ ብሽክለታ’ውን ብተመሳሳሊ መገዲ ኣሰር ናይቲ ዝመርሖም ዘሎ ሰብ ተኸቲሎም ዝጉዓዝሉ ምኽንያት፡ ዝወሓደ ጸዓት ናይ ምህላኽ ዕድል ስለዝረኽቡ’ዩ።

እቶም ብሪጣንያውያን ተመራመርቲ፡ ኣዕዋፍ ስለምንታይ ብቕርጺ ቪ ተሰሪዐን ከምዝበራ ኣዕዋፍ ነቲ ምስጢር ቅድሚ ሰብ ኣቐዲመን ስለዝፈለጥኦ ጸዓት ንምቑጣብ ብቕርጺ ቪ እናተሰርዓ ከምዝጉዓዛ ኣረዲኦም። እቲ ምስጢር ብደቂ-ሰብ ኣብዚ ሕጂ ግዜ ምፍላጡ ድማ፡ ሰባት ንመጻኢ ዘህልኹዎ ጸዓት ብኸመይ ቆጢቦም ዝኸድሉ ሜላ ኣብ ምትእትታው ከምዝሕግዞም ሓቢሮም። እቶም ተመራመርቲ መጽናዕቶም ብሓንቲ ንእሽቶ ነፋሪት እናተሓገዙ ነተን ካብ ኦስትሪያ ናብ ኢጣልያ ዝጉዓዛ ዝነበራ ኣዕዋፍ’ዮም ተኸታቲሎመን። ኣብ ነፍሲወከፍ ናይተን መጽናዕቲ ዘካየዱለን ዑፍ ድማ ብድሕሪኣ ምስ ሳተላይት ተራኺቡ ቦታ ዝሕብር ንእሽቶ መሳርሒ (GPS) ን ከምኡ ድማ ኣንፈት ምቅስቓስ ንፋስ ዝዕቅን (ኣክሰለሮሜትር) መሳርሒን’ዮም ኣሲሮምላ። እቲ ዝተጠቕምሉ ናይ ጂፒኤስ መሳርሒ ኣንፈት ናይ ነፍሲወከፍ ዑፍን ብኽንደይ ፍጥነት ትጉዓዝ ምህላዋን ክዕቅን ከሎ፡ ኣክሰለሮሜትር ድማ ፍጥነት መንገብገብ ናይ ነፍሲ-ወከፍ ዑፍ’ዩ ዓቂኑ።

እቲ ዝተመዝገበ ሓበሬታ ድማ እተን ኣዕዋፍ ሓይለን ንኽዕቅባ ብመንገብገብ እታ እትቕልሰን ዘላ ዑፍ ንዝተፈጥረ ላዕለዋይ ክፋል ኣንፈት ንፋስ ከምዝጥቀማ ክርድኡ ክኢሎም። ምኽንያቱ ከኣ፡ እታ እትመርሐን ዘላ ዑፍ ነቲ ንፋስ ብመንገብገባ ምስ ቀደደቶ፡ ብኸም ልዕሊኣ (ንየማናን ጸጋማን) ካልእ መስመር ንፋስ ትፈጥር’ሞ እተን ዝስዕባኣ ዘለዋ ኣዕዋፍ ድማ ዝወሓደ ጸዓት ንምህላኽ በቲ ዝተፈጥረለን ሓድሽ መስመር ንፋስ ተኸቲለን ይስዕብኣ። እቶም ተመራመርቲ ነቲ ምንቅስቓስ ኣብ ኮምፒዩተራቶም ኣስፊሮም ምስ ተዓዘብዎ፡ ነፍሲ-ወከፍ ዑፍ ብኸመይ ንምንቅስቓስ ናይታ እትቕልሰን ዘላ ዑፍ ግብረ-መልሲ ከምእትህብ ክርድኡ ከምዝኽኣሉ ይገልጹ። እቶም ተመራመርቲ ኣብ መወዳእታ፡ ረኺቦሞ ዘለዉ ውጽኢት ቀሊል ከምዘይኰነ ጠቒሶም፡ ኣዕዋፍ ኣብ ግዜ ምስጋመን ብኸመይ’የን ንእትመርሐን ዑፍ ዝውስና ምንጽናዕ ዝቕጽል መደቦም ምዃኑ ይሕብሩ።